`ኣብ ልዕሊ ዘይ-ሕጋውያን ኣስገርቲ ባሕሪ ከቢድ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና ` ናይ ኢጣልያ ቀዳማይ ሚንስተር ማቲዮ ረንዚ

መራሕቲ ኤውሮጳ ንጽባሕ ህጹጽ ኣኼባ ክገብሩ`ዮም

ኣብ ታሪኽ ህልቀት ባሕሪ ሚዲተራንያን ዝኸፍኤ ሓደጋ ዝሓለፈ ሰንበት ኣጋጢሙ`ሎ። ልዕሊ 800 ሰባት ሃሊቖም ዝብል እምነት`ዩ ዘሎ።

`ባሕሪ ሚዲተራንያን መቓብር ምዃን ይኣኽሎ ዝበሉ ናይ ጣልያን ቀ/ሚ ረንዚ፡ ሕበረት ኤውሮጳ ኣብ ምዕጋት ንግዲ-ደቂሰባት ክሰርሕ ጸዊዖም ኣለዉ።

" እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኽብሪ`ዩ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኽብሪ እንተኾይኑ ድማ፡ ኤውሮጳ ናብ ፖሊቲካዊ ተሳትፎኣ ክትምለስ ኣለዋ"