ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ሊብያ ንኣስታት 30 ኢትዮጵያዊያን ፣ ሓደ ካብ’ኣቶም ኤርትራዊ’ዩ ተባሂሊ’ሎ ምቅታሎም፣ ቑጠዐን ውግዘትን ማሕበረ-ሰብ ዓለም የስዕብ’ሎ።
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብጠንቂ’ቲ ኣብ ሊብያ ዝተቀትሉ ኢትዮጵያዊያን፣ ንሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፅንዓት ይሃብኩም ኢሎም፣
“እት ቅትለት’ቲ፣ንዘርኢ ደቂ-ኣዳም ንምፅናት ብዝሃቀኑ ፈጠርቲ ራዕዲ ዝተፈፀመ ቅትለት’ዩ።እዞም ዜጋታት ኣብ ስደት ሊብያ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን፣እዚ ጉጅለ ኣሸባሪ’ዚ፣ነዚ ግፍዓዊ ቅትለት ምፍፃሙ፣ንሙሉእ ህዝቢታትና ኣሕዚኑ’ሎ” ኢሎም ንሶም።
ብዝተኣሳሰረ ዜና፣መልሰ-ግብሪ ነቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈፀመ ግፍዒ ንምቅዋም ኣብ ኣዲሳበበ ሃንደበታዊ ሰልፊ ከምዝተኸሰተ ተፈሊጡ።
ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
Your browser doesn’t support HTML5
ዝተዋደደ ሪፖርት ብዛዕባ'ቲ አብ ሊብያ ዝተፈፀመ ቅትለት ኢትዮጵያዊያን