ኣቦ-መንበር ዓረና ኣቶ ብርሃኑ በርሀ ትማሊ ሰኑይ ኣብ መቐለ ተኣሲሩ

Arena meeting

ጠበቓ ሕጊ `ውን ዝኾነ ኣቶ ብርሃኑ ፡ ንክሱስ ክጣበቕ ምስወጸ ከምዝተኣስረ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ለምለም ገብረኪዳን ንቪኦኤ ሓቢራ።

ወ/ሮ ለምለም ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከይዳ ከምዝረኣየቶ ከምኡ`ውን “ስለምንታይ ከምዝኣሰሩኒ ኣይፈልጥን” ከምዝበላ ሓቢራ`ላ።

ጽባሕ ረቡዕ ናብ ፍርዲ ክቐርብ`ዩ ተባሂላ ከምዝተነግራ`ውን ገሊጻ`ላ።

ካብ ወገን ፖሊስ ዝተሰምዐ ነገር የለን።

ምስ በዓልቲ ቤት ኣቶ ብርሃኑ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

Your browser doesn’t support HTML5

Birhanu Behe-Arrested