ዓረና፡ ህዝቢ ትግራይ ፍረ-ቓልሱ ኣይረኸበን ክብል ከሎ፡ ሕወሓት ብወገኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ዝረኸቦ ዓወት ይሕልዎ`ሎ ይብል

ARENA TIGRAY

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ትግራይ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ፡ ሓሳቦም ብናጻ ዝገለጹ ሎሚ ኣበይ ከምዘለዉ ስለንፈልጥ፡ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ዝብሃል ነገር ኣብ ሕወሓት-ኢህወደግ የለን ይብል። ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝተቓለሰሉ ፍረ ፡ “ፍርቁ ወይ ሓደ ሲሶ`ኳ ኣይረኸበን” ክብል ንቪኦኤ ተዛሪቡ ኔሩ።

ሓልፊ ፕሮፓጋንዳ ሕወሓት ኣቶ ኢያሱ ተስፋይ ብወገኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣሹምባይ`ዶ ሎሚስ ቀደም`ኳ ክበደል ከሎ ስቕ ኢሉ ዝርኢ ኣይኮነን፡ ንመሰሉ ባዕሉ ዝሕሉ ዘሎ ህዝቢ`ዩ ክብል ንክሲ ዓረና ይነጽግ።

ምስ ኣቶ ኢያሱ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ካልኣይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

Your browser doesn’t support HTML5

ዓረናን ሕወሓትን ፡ ደሞክራሲ የለን፡ ኣሎ`ባ-ካልኣይ ክፋል