መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ንዝሰግሩ ኤርትራውያን ዘይሕጋዊ ካምፕታት እናሰርሐ ካብ ዓለም ገንዘብ ይበልዓሎም ኣሎ - ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም

Ambassador Girma Asmerom

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ግርማ ኣስመሮም፡ ካብ ሰላም ዘላ ሃገር መጺኦም ብኢትዮጵያ ክሓልፉ ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ካምፕታት ኣእቲኻ፡ ስደተኛታት`ዮም ኢልካ ካብ ኣህጉራዊ ጉዳይ ስደተኛታት ገንዘብ ምድላብ ኣምር ዝሰሓተ`ዩ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ UNHCR ኣብ ክንዲ ተሓባባሪ ምዃን ፡ነቲ ዝግበር ምድንጋር ክምርመሮ ይግባእ ኢሉ።

ናብ ኤርትራ`ውን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ይኣትዉ ኢዮም፡ እንተኾነ ናብ ዝደለይዎ ክሓልፉ ናጽነት ስለእንህብ፡ ካምፕታት ኣስሪሕና ገንዘብ ኣይንሽቅጠሎምን ኢና ኢሉ ኣምባሳደር ግርማ።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

Your browser doesn’t support HTML5

Eritrean Ambassador to the UN Girma Asmerom