ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወፍሪ ክታበት ፖልዮ ቐኒየን

Polio ከምዚ ይገብር። ካብ ካልእ ሃገር ዝተወስደ ስእሊ

ክልቲአን ሃገራት ፖልዮ ኣብ ዞባና ተራእዩ ምስ ሰምዕና ዘሚትናሉ ይብላ
ኣብ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝቐረቡ ኣቶ ቴድሮስ ዪሕደጎ ካብ ኣስመራ፡ ኣቶ ፍስሃ ኣሸብር ካብ መቐለ፡ በብወገኖም ኣብ ክታበት ቆልዑ ርኡይ ዓወት ይጎናጸፉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ ኤርትራ ፖሊዮ ኣጥፊእናዮ ኢና፡ ግን ኣብ ገለ ከባብታት ዞባና ተራእዩ ዝብል ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓበረታ ስለዝተዋህበና ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ፖልዮ ኣበጊስና ይብል ኣቶ ቴድሮስ።

ኣቶ ፍስሃ ብወገኑ፡ ፖሊዮ ተቖጻጺርናዮ ኢና ግን ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ሶማል ኣብ ሓደ ሰብ ፖልዮ ምርኣዩ ንዓና ስጉምቲ ክንወስደሉ ዝደረኸ `ዩ ኔሩ ኢሉ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

Your browser doesn’t support HTML5

ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ክታበት ፖልዮ