ውድብ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣብ መቐለ ዝፀወዖ ሰልፊ ተቓውሞ ኣይተኻየደን

ETHIOPIA

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ወረቓቕቲ ብምብታን ምስንዳእ ክገብር ምቕናዩ ገሊፁ ኮይኑ ግና ብሰንኪ ኣካላት መንግስቲ ከምዝተሰናኸለ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡ ብመሰረት ሕጊ ዝእዝዞ ዋላ ፍቓዶም ኣይግለፁልና ንዝምልከቶም ኣካላት ኣፍሊጥና ኢና ይብሉ ሓለፍቲ እቲ ውድብ፡፡

ፖሊስ ብወገኑ ሰልፊ ንኸየካይዱ ዝኣገዶም ሓይሊ የለን፤ ኮይኑ ግና ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዘገብርዎ ኣካዳ ኣሪምናዮም ኢና ይብል፡፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቀዳማይ ወያነ ምክትል ኩማንደር ኣንድነት ነገሰ ኣብ ከተማ መቐለ እናዘወርካ መቃልሒ ድምፂ ምጥቃም ብሕጊ ዝተኸልከለ ምዃኑ ነጊርናዮም ክሰምዑና ኣይካኣሉን ብድሕሪኡ ንድሕንነቶም እውን ብምሕሳብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ካብ ምስራሕ ክቑጠቡ ስጉምቲ ኢና ወሲድና ይብሉ፡፡

እቲ ሰልፊ ንኸካይድዎ ድማ እኹል ሓይሊ ፖሊስ መዲብናሎም ኢና ህዝቢ ስለዘይተኣከበሎም እዮም ገዲፎምዎ እውን ኢሎም እቶም ሓላፊ፡፡

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ