ኤርትራ ምስ ጉጅለ ቃፊር ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንክትተሓባበር መፀዋዕታ ቀሪቡ

AMB ARAYA DESTA

ንማዕቀብ ሶማልያን ኤርትራን ንክከታተል ዝቆመ ቃፊር ሕ/ሃ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ስርሑ ብግቡእ ንክፍፅም መእንታን ኤርትራ ክትተሓባበሮ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ፀዊዑ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መንግስቲ ኤርትራ፣ንፈዴራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ብወግዒ ኣፍልጦ ምሃቡ ገሊፁ።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፣ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቅ‘ዩ ነዚ ኣረጋጊፁ።

ንሱ መንግስቲ ኤርትራ ናብ‘ዚ ውሳነ‘ዚ ዝበፅሓሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ ”ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ጊዚያዊ መንግስቲ ሶማልያ፣ኣብ ደገን ብጎረባብቲ ሃገራትን ብሓየልቲ ዓለምናን ዝቆመን ምንባሩ፣እቲ ሎሚ ቆይሙ ዘሎ መንግስቲ ግና ብህዝቢ ሶማልያ ዝቆመ ስለዝኾነ‘ዩ ኣፍልጦ ዝሃብዮ”ኢሉ።

ቃፊር ቤት ምኽሪ ሕ/ሃ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ‘ቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቅረቦ ፀብፃብ፣ኤርትራ ብወግዒ ንመንግስቲ ሶማልያ ተቀቢለ‘ለኹ እናበለት ብሕቡእ ንፀረ‘ቲ መንግስቲ ዝዋግኡ እስላማውያን ፅንፈኛታት ትሕግዝ‘ያ ኢሉ ከምዝኸሰሰ ይዝከር።ኣምባሳደር ኣርኣያ ግና፣ነዚ ሪፖርት‘ዚ ‘መስሓቅ‘ ኢሉ ይነፅጎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ