ኣብ ሱማሊያ ኪስማዮ ሕማም ኮሌራ ይስፋሕፋ ኣሎ ተባሂሉ

ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም ሽዱሽተ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ምዃኖም’ውን ተገሊፁ

ኣብ ትሕቲ ኣል-ሸባብ እትርከብ ደቡባዊ ሱማሊያ ኪስማዮ ሕማም ኮሌራ እናተጋፍሐ ይኸይድ ከምዘሎ ትካል ጥዕና ዓለም ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

ፀብፃብ ትካል ጥዕና ዓለም ከምዝሓበሮ ኣብ ኪስማዮ ኣብዝርከብ ሓደ ናይ ጥዕና መውሃቢ ማእኸል ብዝተኻየደ ምርመራ ካብ ዓሰርተ ሕሙማት እቶም ሽዱሽተ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ እዮም።ክሳብ ሕዚ 65 ሰባት ሕክምና ከምዝተገበረሎም እውን እቲ ፀብፃብ ይገልፅ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ፒተር ደስሎቨር ካብ ናይሮቢ ዘተሓሳስብ ምልክት እዩ ኢሎም።

ትካል ጥዕና ዓለም ከምዝገለፆ ሆስፒታል ኪስማዮ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት እዚ ጀሚሩ ናብ 650 ዝፅግዑ ሰባት ብኮሌራ ምትሓዞም ዝጥርጠሩ ከምዝመርመረ ኣፍሊጡ ይብል።ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ግን በቢ ሰሙኑ 40 ዝኾኑ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝጥቅዑ ተፈሊጡ’ሎ።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ሙሉእ ዓለም በቢ ዓመቱ 100 ሽሕ ሰባት ብኮሌራ ከምዝሞቱ ይግምት።

ኣብ ጄነቭ ዝመደብሩ ትካል ጥዕና ዓለም ዝሰርሑ ታሪክ ጃሳረቪች እዚ ሕዚናዮ ዘለና ሚሊኒየም ካብ ዝጅምር ኮሌራ ብደረጃ ዓለም እናተጋፍሐ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም።

ኮሌራ እንድሕር ዘይተፈዊሱ ኣብ ስዓታት ክቐትል ዝኽእል ሓያል ናይ ተቕማጥ ሕማም እዩ።ብእዋኑ እንተኾይኑ መብዛሕቲኡ ግዜ ብጨው ኢንግሊዝ ክፍወስ ይኽእል።