ብዛዕባ መፃኢ ዕፃ ጋዳፊ ንምዝታይ ዝተኣከቡ ኣፍሪካዊያን መራሕቲ ኣይሰለጦምን

ኣብቲ ዝርርብ ዝተረኸቡ ተወከልቲ መንግስቲ ጋዳፊ ነቲ እማመ ዝተቐበልዎ ይመስሉ

ግጭት ልብያ ንምፍታሕ ዝዓለመ ብዛዕባ ሓባሪ ምንገዲ ንምዝርራብ ኣብ ኢዃተሪያል ጊኒ ዝተኣከቡ ኣፍሪካዊያን መራሕቲ ብዛዕባ መፃኢ ዕፃ ሞኣመር ጋዳፊ ደውታ ከምዝፈጠሩ ተፈሊጡ።

መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪካ፡ሞሪታኒያ፡ኡጋንዳ፡ማሊን ሪፓብሊክ ኮንጎን ኣብ ሊብያ ዲሞክራሲያዊ ምርጫን ሕጋዊ ምምሕያሻትን ቅድሚ ምክያዶም ቶኽሲ ጠጠው ንኽብል ዝፅውዕ ሓባሪ መንገዲ ንምሕንፃፅ ንሕብረት ኣፍሪካ ብምውካል እዮም ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ዝርርብ ዝተረኸቡ ተወከልቲ መንግስቲ ጋዳፊ ነቲ እማመ ዝተቐበልዎ ይመስሉ።ካብ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ዝመፁ ዓመፅቲ ግን እቲ ፃውዒት መራሒ ሊብያ ብህፁፅ ካብስልጣኖም ንኽወርዱ ዝፅውዕ ቅድመ ኩነት ኣይሓዘን ብዝብል ነቲ ስምምዕ ኣይተቐበልዎን።

ወኪል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ማንሱር ሳፊ-ኣል-ናስር እቲ ዋዕላ ኣብዝካየደሉ ማላቡ ተረኺቦም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ሊብያዊያን ዓመፅቲ ንቕድሚት እናደፍኡ ከምዝኾኑን ኮለኔል ጋዳፊ ካብ ስልጣኖም ክሳብ ዝወርዱ ጠጠው ከምዘየብልዎን ኣፍሊጦም ኣለው።

ኣንፃር ተፃባእቶም ፈፂሞምዎ ብዝበሎ ጭፍጨፋ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሊብያ፡ወዶምን ኣብ ልዕሊ ናይታ ሃገር ዋና ሓላፊ ፀጥታን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ብምውፅኡ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ይነቕፉ።ነቲ ግጭት ኣፍሪካዊ ፍታሕ ክህሊ ነይሩዎ ብዝብል ኔቶ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትሪፖሊ ንዝፍፅሞ ደብዳብ ነፈርቲ’ውን ክንቕፉ ፀኒሖም እዮም።

ምንስቴር ወፃኢ ግብፂ መሓመድ ኤሎራቢ ጋዳፊ ክወርዱ ኣለዎም ዝብል ናይቶም ዓመፅቲ ሕቶ ንሕብረት ኣፍሪካ ከይኮነስ ንሊብያዊያን ክቐርብ ዘለዎ ሕቶ እዩ ይብሉ።

እቲ 53 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ሎማዕንቲ ዓርቢ ተዛዚሙ’ሎ።