ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሓደሽቲ ዝተመዘዙ ሚንስትራት ካብ ሃገር ወጻኢ ከይገሹ ኣጊዱ


ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ሓደሽቲ ዝተመዘዙ ሚንስትራት’ታ ሃገር ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይገሹ ዶም ኣለው ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃለ መሓለ ሓደሽቲ ዝተመዘዙ ሚንስትራት’ታ ሃገር: ፕረዚደንት ኪር እዞም ሚንስትራት ናብ ወጻኢ ሃገር ከይገሹ ናብ ሃገር ዝተመልሱ ዲፕሎማት ድማ ን14 መዓልታት ተወሺቦም ክጸንሑ ኣዚዞም ኣለው።

እቲ ሕማም ካብ ዝተረኣየለን ሃገራት ዝተመልሱ ኩሎም ዲፕሎማት ተወሺቦም ክጸንሑ: ብተወሳኺ ዝኾነ ዓይነት ከም ስፖርታዊ ንጥፈት፥ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ፥ መርዓ ዝአመሰሉ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ንግዚኡ ንካል እ እዋን ክመሓላለፉ ምእዛዞም ተፈሊጡ’ሎ።

ሓዳስ ዝተመዘዛ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ቢትሪስ ካማሲ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝተራእየሉ ሃገር ኣብ ቀረባ ብምምላሰን ን 14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ክጸንሓ ተወሲኑ’ሎ።

ከምኡ’ውን ሓድሽ ዝተመዘዙ ሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ማቦር ጋራንግ ኣብ መወሸቢ ብምህላዎም ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ክርኸቡ ኣይከአሉን።

ፕረዚደንት ኪር ብተወሳኺ ኣብ ምሃብ ቪዛ ንዜጋታት’ታ ሃገር ቀይዲ ክግበር ኣዚዞም ኣለው። ንሶም ካብ ሃገር ወጻኢ ዝካየዱ መገሻታት ዋላ’ውን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ካልእ ጊዜ ክናዋሕ ጸዊዖም ኣለው።

ፕረዚደንት ኬር ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ውልቃዊ ንጽህና ከዘውትር፥:ናይ ኢድ ሰላምታ ከወግድ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ምትእኽካብ ከወግድ መኺሮም።

XS
SM
MD
LG