ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን/ICC/ ካብ ኣሜሪካን ክፍለ ኣህጉር ኣፍሪቃን ነቐፌታ የጋጥሞ ኣብዘለሉ እዋን ፕረዚደንትን ዳኛን እቲ ቤት ፍርዲ ዝኾኑ ቺለ ኤቦይ-ኦሱጂ ዝምድና’ቲ ትካል ንምምዕራይ ዘለዎም ተስፍኦም ገሊፆም።
ኤቦይ-ኦሱጂ መንግስቲ ኣሜሪካ ድሕሪ ኲናት ዓለም ኣብ መጋባእያ ኑረምበርግን ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ናይ ሩዋንዳን ዩጎዝላቪያን መጋባእያታት ንገበኛታት ኲናት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ንዝተፃወቶ ጊደ ክዝክር ፀዊዖም ኣለው።
“ብዙሓት ኣሜሪካዊያን ነቲ ቤት ፍርዲ ደጊፎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆምልና እዮም።ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዝተፃወተቶ ተራ ክትቕፅለሉ እዩ ድልየትና’’ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።
ኣሜሪካ ነቲ ኣብ 1998 ኣብ ሮም ዝተመስረተ ቤት ፍርዲ ኣየፅደቐቶን።
እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ንኣፍሪቃዊያን ዒላማ ይገብር እዩ ንዝብሉ ክስታት እውን ነጺጎምዎ ኣለው።ኣብ 2016 ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብ ኣባልነት እቲ ቤት ፍርዱ ክወፃ ኣጠንቂቐን እንተነብራ እውን ሩዋንዳ ጥራሕ እያ ወፂኣ።ሎሚ 33 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ እየን።