ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብኣፈኛ ባይቶ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ወርቀሰሙ ማሞ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ምብጻሕ ብኣፈኛ ባይቶ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ወርቀሰሙ ማሞ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መርኣያ ዘለዎም ኣድናቖት ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላምን ንምድልዳሉ ዘለዎም ቅርቡነት ንምግላጽ ምዃኑ ሚ ንስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብወገኑ ንምብጻሕ እቲ ጉጅለ ብምንኣድ እቲ ብክልቲኦም መራሕቲ ዝተወስደ ተበግሶ መርኣያ ድሌት ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ኣብሪሁ።