ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻይና ንዝዓበየ ዓለማዊ ተራ ይጽውዑ


ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ
ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ

ተወሳኺ ናይ ሓሙሽተ ዓመት እብረ ስልጣን፡ ብሰንበት ዝጀመሩ ፕረዚደንት ቻይና፡ ሺ ዢንፒንግ፡ ሃገሮም ንሓድሽ ዓለማዊ ተራ ክትዳሎ ጸዊዕም። እቶም ፕረዚደንት ንሓድሽ ተራ ቻይና ኣመልኪቶም ነቲ መደረ ሎሚ ሰኑይ’ዮም ኣስሚዖም።

ንዝምድና ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ምምሕያሽ ድሕሪ ዝተጻወቱዎ ተራ፡ ዓቢ ፖለቲካዊ ዓወት ዘመዝገቡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ፡ ሃገሮም ኣብ ዓለማዊ ስራሓት ዲፕሎማሲ ዓቢ ተራ ክትጻወት ምዃና ኣመልኪቶም።

ፕረዚደንት ሺ ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ዘስምዑዎ ቃል፡ ቻይና ኣብ ዓለማዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺን ጸጥታን ዝዓበየ ተራ ክትጻወት ምዃና ቃል ሂቦም።

ፕረዚደንት ሺ ነዚ ዝተረረ ቃና ዘለዎ መደረ ዘስምዑ ንተወሳኺ ዕድመ ስልጣን ንነብሶም ድሕሪ ምሽያሞም’ዩ። ፕረዚደንት ሺ ነቲ ኣቐዲሙ ብኮሚኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዝጸንሐ ናይ ስልጣን ገደብ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣልዮሞ’ዮም። ነዕኡ ድሕሪ ምግባሮም እምበኣር፡ ዓርቢ ንሳልሳይ እብረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ንነብሶም ሸይሞም ኣለዉ።

ብሰንበት ድማ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ንስልጣን እቶም ፕረዚደንት ኣጽዲቑ ኣሎ።

ኮሚኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ግን ንስልጣን ሺ ጥራይ ኣይኰነን ኣጽዲቑ። እቶም በበእዋኑ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዘለዎም ወገናት ከግልሉ ዝጸንሑ ፕረዚደን ሺ፡ ንሊ ኪዋንግ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሮም ሸይሞም ኣለዉ። ሊ’ውን ተማእዛዝነቶምን ካብቲ ዝድለይሉ መስመር ከም ዘይውጽኡን ድሮ ከመልክቱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ኣብቲ ሎሚ ዘስምዑዎ ንሃገራዊ ስምዒት ዝቕስቅስ ቃል፡ ሃገሮም ኣብቲ ዝግበኣ ዓለማዊ ስፍራ ምሓዛ ኣመልኪቶም። “ንምድፋርን ምውራድን ሃገር ዝኸውን ቦታ የለን፡” ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፡ ወሲኾም፡ ሃገሮም ወናኒት ገዛእ ዕድላ ምዃና ኣስሚሮም።

ፕረዚደንት ሺ’ውን ኣብቲ ናይ ሎሚ ቃሎም ንደሴት ታይዋን ኣመልኪቶም ተዛሪቦም ነይሮም። ኣብቲ ብተምሳሌት ዘውጽኡዎ ቃል ታይዋን ውዒላ ሓዲራ ኣካል ቻይና ምዃና ብምጥቃስ፡ “ኵሉ መገዲ ተጠቒምና፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ክሳብ ብሓይሊ’ውን ክትምለስ’ያ” ኢሎም።

Recommended

XS
SM
MD
LG