ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ወፍሪ ምርጫኦም ዘይኾነ ንሶም ነቲ “መዕበሲ ኣፍ”(ብላዕ) ከምዝኸፈሉ ሓቢሮም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ምስ መደበር ቴሌቭዥን ፎክስ ኒውስ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ወፍሪ ምርጫኦም ዘይኾነ ንሶም ነቲ “መዕበሲ ኣፍ”(ብላዕ) ከምዝኸፈሉ እንተኾነ ኣብቲ እዋን’ቲ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ሓቢሮም ኣለው።

ፕረዚደንት ትራሞፕ ድሒሮም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምፍላጦም’ውን ኣይሓብኡን።

ኣብቲ በቲ መደበር ቴሌቭዥን ዝተፈነወ ቃለ መጠይቕ ፕረዚደንት ትራምፕ ወፍሪ ምርጮኦም ነተን ምስ ፕረ. ትራምፕ ጾታዊ ዝምድና ኔርወን ዝተባህላ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይኸፈለ ደጋጊሞም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ ብዛዕባ’ቲ ቕድሚ ሰዓታት’ቲ ምትእኽካብ ኣብ ልዕሊ አካያዲ ስራሕ ወፍሪ ምርጫኦም ዝነበሩ ፖል ማናፎርት ዝቐረበ ክሲ ገበን ኣብ ልዕሊ ባንክን ምጭርብባር ቀረጽ ዘይምልዓሎም ንብዙሓት ዘገረመ እዩ ኔሩ።

ፖል ማናፎርት በዚ ቐሪብሎም ዘሎ ክሲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ትማሊ ሶሉስ ኣብ ምዕራብ ቨርጂንያ ኣብ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ዝተረኽቡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ አካያዲ ስራሕ ወፍሪ ምርጫኦም ዝነበሩ ፖል ማናፎርት ኾነ ብዛዕባ’ቶም ቕድሚ ቑሩብ ሰዓታት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንዝቐረበሎም ክሲ ዝኣመኑ ጠበቓ ም ነበር ማይክል ኮሃን ኣይተዛረቡን። ማይክል ኮሃን ንጉዳይ ፕረ. ትራምፕ ብዝምልከት ኣብ እዋን ወፍሪ “መዕበሲ ኣፍ”(ብላዕ) ገንዘብ ምክፋሎም ኣሚኖም ኣለው።

“ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ናይ ወፍሪ ምትእኽካብ የምርሑ ከምዘለው ይፈልጥ እየ። እንተኾነ ኣብዚ አጋጣሚ ኾነ ንመጻኢ ብዛዕባ ምሕረት ማይክል ኮሃን ኮነ ፖል ማናፎርት ከምዘይዘራቡ ተስፋ ይገብር” ዝበሉ ዲሞክራት ሰነተር ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ቻርለስ ሹመር እዮም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምኽሪ ሰነተር ሹመር አቃሊቦምሉ ድዮም ወይ ኣይኮኑን ዝተፈልጠ ነገር የለን ይኹን ደአ እምበር ነቲ ናይ ትማሊ መደረኦም’ውን ብዛዕባ ምትእትታው ሩስያ ኣብ ናይ 2016 ምርጫን ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ሩስያ ውዲት ኣለዎም ንዝብሉ ቀንዲ ወይ ጽልዋ ዘለዎም መሓውራት ዜናን ዓቐብቲ ሕጊን ነቒፎም ኣለው።

“ብጣዕሚ ሕማቕ እዩ። ንክልቲኦም ውልቀሰባት ይሓዝን። ክነግረኹም ፖል ማናፎርት ሰናይ ሰብ እዩ። ምስ ፕረ. ሮናልድ ሬገን ዝኣመሰሉ ምስ ብዙሓት ሰባት ዝሰርሓ ሰብ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ሓዚነ እየ ምሳይ ግን ምትእስሳር የብሉን” ኢሎም።

ጠበቓ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነበር ማይክ ኮሃን ንፈደራል ዳኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ሕጊ ፋይናንስ ወፍሪ ምርጫ ንምጥሓስ ዘሕለፍዎ ውሳነ ብምትሕብባር ሽዑ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተኻየደ ምዃኑ ገሊጾም ኣለው።

ይኹን ደኣ እምበር ጠበቓ ፕረዚደንት ዝኾኑ ሩዲ ጁልያኒ ድሕሪ ቃል ማይክል ኮሃን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ “ ክሲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማይክል ኮሃን ንዝኾነ ፕረዚደንት ዝወሰድዎ ጌጋ ስጉምቲ ዘርእይ ኣይኮነን” ይብል።

XS
SM
MD
LG