ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ንቀዳማይ ሚኒስትር'ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ኣጊዶም


ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ
ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ንቀዳማይ ሚኒስትር'ታ ሃገር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ካብ መዝነቶም ምእጋዶም ድሕሪ ምእዋጆም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ላዕለዎት መራሕቲ ሶማል ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ሎሚ ሶኑይ ገዲዱዎ ከምዝቐፀለ ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሮብሌ እቶም ፕረዚደንት " ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ’’ገይሮም ክብሉ ከሲሶምዎ።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት መሓመድ ፎርማጆ እቲ ስጉምቲ ዝተወስደ ድሕሪ ውጽኢት መርመራ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሮብለ ዝሓውስ ዘይሕጋዊ ምግዛእ መሬት ምዃኑ ገሊጾም ኣለው።

እዚ ስጉምቲ ምእጋድ ቀዳማይ ሚኒስትር ሮበለ ዘጋጥም ዘሎ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንፕረዚደንታ'ታ ሃገር ኣብ ፓርላማዊታዊ ምርጫ'ታ ሃገር ሽርሒ ፈጺሞም ክብሉ ድሕሪ ምኽሳሶም'ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሮብለ ወታሃደራት ምውፋሮም ዝሓበረ ኽከውን ከሎ ብመሰረት ሚኒስትር ሓበሬታ'ታ ሃገር ድማ "ተዘዋዋሪ ዕልዋ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ዝቕጽል መራሒ ናይታ ሃገር ዝመርፁ 11 ኣባላት ፓርላማ ንክምረፁ ክልቲኦም ተወዳደርቲ መራሕቲ ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት እዚ ተሰማሚዖም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG