ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ሳውድ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ምርኻቦም ተፈሊጡ።ንጉስ ሳልማን ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብን ሓባራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብምስማር ስዑዲ ዓረብ ሓባራዊ ምትሕብባር ንክሕይል ዘለዋ ድልውነት ኣስሚሮምሉ።
ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ሰላምን ዞባዊ ምትሕብባርን ክረጋገፅ ትፃወቶ ንዘላ ተራ እውን ንኢዶም ኣለው።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ብወገኖም ንጉስ ሳልማንን ስዑዲ ዓረብን ምስ ኤርትራ ንዘለዎም ምሕዝነት ብምምስጋን ስዑዲ ዓረብን ናይቲ ዞባ ሃገራትን ንሰላምን ልምዓትን ጎረቤት ሓላፍነት ኣለወን ኢሎም ይብል ካብ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ዝተረኸበ ዜና።