ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ጎቦታት ጎላን ሉኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ከምዝኾኑ ኣፍልጦ ሂቦም


ፕረዚደንት ትራምፕ እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት ካብ ሶሪያ ብሓይሊ ንዝሓዘቶ ጎቦታት ጎላ ከም ናይ እስራኤል ልኡላዊ ግዝኣት ኣፍልጦ ሂቦም።

እዚ ዝተገልፀ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፒዮን ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁንን ብሓባር ትማሊ ሓሙስ ኣብ እየሩሳሌም ንዝርከብ ምዕራባዊ መንድቕ ድሕሪ ምዕዛቦም እዩ ።

ላዕለዎት መራሕቲ ኣሜሪካ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፒዮን ኣብ ምዕራባዊ መንድቕ ዝበፅሑ ፈላማይ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ እዮም።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንዓሰተታት ዓመታት ኣብቲ ቦታ ካብ ምብፃሕ ኣንሳሒቦም ፀኒሖም።

ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብቲውተር ኣብ ዝለኣኹዎ ፅሑፍ ድሕሪ 52 ዓመታት ኣሜሪካ ኣሰሓሓቢ ጎቦታት ጎላን ከም ናይ እስራኤል ልኡላዊ ቦታ ኣፍልጦም ምሃባ እዋኑ እዩ ኢሎም።

እስራኤል ነቲ በሪኽ ቦታ ዝተቖፃፀረቶ ኣብ 1976 ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት እዩ።ሶሪያ ምስ እስራኤል ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ክትዘራረብ እቲ ቦታ ክምለሰላ ትሓትት።ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁን ንፕረዚደንት ትራምፕ ስልኪ ደዊሎም ከምዘመስገኑዎም ገሊፆም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፒዮን ሃገሮም ኣብ ጎኒ እስራ ኤል ከምዘላ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG