ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን መንድቕ ናይ ምስራሕ መደቦም ደፊኦምሉ ኣለው


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ምሸት ካብ ቤት ፅሕፈቶም /ኦቫል ኦፊስ/ ብቐጥታ ቴሌቪዥን ንህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን መንድቕ ወይ ሓፁር ናይ ምስራሕ መደቦም ደፊኦምሉ ኣለው።ብሰንኪ እዚ መንድቕ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብዘይምስምማዖም መንግስቲ ብኸፊል ምዕፃው ቀፂሉ’ሎ።ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ እቶም ፕረዚዳንት ንህዝቢ ኣሜሪካ ጅሆ ምሓዞም ደው ኣቢሎም ንመንግስቲ ዳግም ክኸፍቱ ፀዊዖም።

ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ መደርኦም ኣብ ደቡባዊ ኣሜሪካ መንድቕ ምስራሕ ሓዊሱ ምሕያል ድሕነት ዶብ ክውስኽ ኣለዎ ኢሎም።

“ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሰራሕተኛታት ምኽባር ኢሚግሬሽንን ግምሩክን ኣብ ናይ ገበን መዝገብ ዝሰፈሩ፣ዝተኸሰሱ፣ዝተፈረዶም 100 ሽሕ ሓደጋ ዘውረዱ፣ፆታዊ ዓመፅ ብምፍፃም 30 ሽሕ ገበነኛታትን 4,000 ብህውከትን ቅትለትን ዝተኸሱ ሓዊሱ ን266.000 ስደተኛታት ተኣሲሮም።”

ኣብ ዶብ ዘይተርፍ ቅልውላው ሰብኣውን ሃገራዊ ድሕነትን ኣሎ ክብሉ ብምግላፅ ኣባላት ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ቅሩባት ኣይኮኑን ኢሎም።

“ፌደራል መንግስቲ ብሓደ ምኽንያት ዕፁው ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ።ብሓደ ምኽንያት ጥራሕ፤ምኽንያቱ ድማ ዴሞክራት ንድሕነት ዶብ ገንዘብ ክምድቡ ስለዘይደለዩ እዩ።”

ዴሞክራሲያዊያን ሽዑ ንሽዑ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ነዚ ነፂገምዎ ኣለው።ኣብ ሰኔት መራሒ ውሑዳት ፓርቲ ቻክ ሹመር ከምዚ በሉ።

“ንምቁፅፃር ብዘይጸገም ኩራ ኣይንመሓደርን።ጠረጴዛ እናወቕዐ ዝደለኹዎ ሃቡኒ ወይ መንግስቲ ክዕፆ እዩ ዝብል ፕረዚዳንት ክህልው የብሉን።ሚሊዮናት ኣሜሪካዊያን ጅሆ ተታሒዞም ክጉድኡ የብሎምን።”

ብዴሞክራሲያዊያን ዝዕብለል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መንግስቲ ዳግም ክኸፈት ውሳነ ኣሕሊፎም እቶም ፕረዚዳንት ግን ነዚ ውሳነ ነፂጎምዎ።ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ናንሲ ፐሎሲ ከምዚ በላ።

“ሜክሲኮ እትኸፍሎ መንድቕ ክስራሕ እዩ እናበለ ኩሉሻዕ ዝተመፃብዖ ክቡርን ውፅኢት ዘይብሉን መንድቕ ንምስራሕ ንኣሜሪካዊያን ኸፈልቲ ግብሪ ብምግዳድ ቢሊዮናት ዶላር ከባኽን ረጊፁ ሒዙ’ሎ።”

ዴሞክራት ንድሕነት ዶብ 1.3 ቢሊዮን ዶላር ክምደብ ቅሩባት እዮም።ፕረዚዳንት ትራሞፕ ግን ሓፁር ወይ መንደቅ ንምስራሕ 5.7 ቢሊዮን ዶላር የድለይኒ’ሎ ኣብ ዝብል ረጊፆም ኣለው።

ትራምፕ ብኮንግረስ ከየፅደቑ መንድቕ ንምስራሕ ዘኽእሎም ናይ ሓደጋ ግዜ ኣዋጅ ክፍትኑ እዮም ኢሎም ነቐፍቶም ክገልፁዎ ዝፀንሑ ትማሊ ኣይኣወጁዎን።ሎሚ ረቡዕ ምስ ዴሞክራሳዊያን ምልዛቦም ከምዝቕፅሉ ትራምፕ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG