ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር መንደቕ ንምህናጽ ዘቕረብዎ ጠለብ ብምቕጻል ንምዕጻው ፈደራል ስርሓት ተሓተቲ ዲሞክራት’ዮም ይብሉ


ምዕፃው ኸፊል ፌደራል መንግስቲ ኣሜሪካ ራብዓይ ሰሙኑ ኣብ ዝቑጸረሉ ሕጂ እዋን ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዳውብ ደቡባዊ ክፋል ሃገራዊ ህፁፅ ኣዋጅ ክእውጅ እየ ምባሎም ቀፂሎም ኣለው።ትራምፕ እቲ ኣዋጅ መንድቕ ንምስራሕ ክጥቀመሉ እየ ይብሉ ኣለው።ዴሞክራትን ገለ ሪፓብሊካዊያንን ግን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ስልጣን ምጥቃም እዩ ብምባል ይቃወምዎ ኣለው።

ፃዕሪ ፕረዚዳንት ትራምፕ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዳብው ቦታ መንድቕ ብምስራሕ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ዝኣተውዎ መፅብዓ ንምፍፃም እዩ።

ዴሞክራት ኣባላት ኮንግረስ መንድቕ ናይ ምስራሕ ትልሚ ብትሪ ይቃወምሉ ኣብዘለውሉ እዋን ፕረዚዳንት ትራምፕ ነቲ መንድቕ ንምምዋል ሃገራዊ ህፁፅ እዋን ናይ ምእዋጅ ድልየቶም ቀፂሎምሉ ኣለው።

“ክእውጅ ፍፁም ሕጋዊ መሰል ኣለኒ።ከምኡ ንምግባር ግን ኣይኮነን ዝደልይ ዘለኹ፤ምኽንያቱ እዚ ኣዚዩ ቀሊል ነገር ስለዝኾነ።ዴሞክራት ናይ ዶብ ድሕነት ንደልይ ኢና ክብሉ ኣለዎ።መንድቕ ክንሰርሕ ኣለና፤ከምኡ ከይገበርካ ናይ ዶብ ድሕነት ዝብሃል የለን።”

ሰኔተር ሊንድሰይ ግርሃም ሓዊሱ ገለ ሪፓብሊካዊያን ካብ ምዕፃው ፌደራል መንግስቲ ምውፃእ ዘኽእል መንገዲ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

“ንዓይ ዝተረፈ እንኮ መማረፂ ነዛ ስልጣን እዚእ ምጥቓም እዩ።ኣብ ኮንግረስ ዝስራሕ ካልእ ኣይርኣየንን።”

ካብ ሜሪላንድ ዝተወከሉ ኣባል ኮንግረስ ኣንቶኒ ብራውን ሓዊሱ ዴሞክራት ግን ነቲ ህፁፅ ኣዋጅ ይቃወምዎ።

“ወታደራትና ናብ ዶብ ምግዓዝ ከምዝኣመሰሉ ስጉምትታት ምውሳድ ዘኽእል ስልጣንካ ምጥቃም ዘይሓላፍነታዊ፣ዘይግቡእን ግጉይ ኣንፈትን እዩ።ኣብ ዶብ ቅልውላው ዝብሃል የብልናን።ኣጋጢሙና ዘሎ ቅልውላው ኣብ ኦቫል ኦፊስ /ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ/ እዩ።”

ኣብ ብሩክስ ኢኒስቲቱዩት ተንታኒ ፖለቲካ ጆ ሁዳክ ፕረዚደንት ሃገራዊ ህፁፅ ሓደጋ ንምእዋጅ ሰፊሕ ነፃነት ኣለዎ ይብል።

“እቲ ፕረዚዳንት ሃገራዊ ህፁፅ ኣዋጅ ንምእዋጅ ሰፊሕ ዝብሃል ስልጣን ኣለዎ።ነቲ ሕጊ ብምንባብ እቶም ፕረዚዳንት ስልጣኖም ከይጥቀሙ ዝኽልክሎም ዘሎ ኣይመስልንን።”

ሁዳክ ወሲኹ እዚ ኮይኑ ግን ናይቲ ፕረዚዳንት ስልጣን ዝድርት ሕገ መንግስታዊ ደረት ኣሎ ይብል ።

“ኣብ ሕሉፍ እዋናት ገንዘብ ኣብ ምምዳብ ፕረዚዳንት ንኮንግረስ ንምስጋር ዝፈተኑሉ እዋን ነይሩ።እንተኾነ ግን ገንዘብ ናይ ምምዳብ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ኮንግረስ ብምዃኑ ፕረዚዳንት ዝተደረትሉ ብዙሕ ኣጋጣሚ ነይሩ።”

ብመሰረት መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ መብዛሕቲኦም ኣሜሪካዊያን መንግስቲ ምዕፃው ካብ ንዴሞክራት ንትራምፕ እዮም ብዝበለፀ ዝነቕፉ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቨርጂኒያ ዝምህር ላሪ ሳባቶእቶም ፕረዚዳንት ግን ኣብ ፖለቲካዊ መሰረቶም ጠሚቶም ቐፂሎም ኣለው ይብል ።

“እንተወሓደ ኣካል ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ መሰረት ዝኾኑ ‘ክንዲ ዝክኣለካ ፈቲንካ ኢኻ ዴሞክራት ግን ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ኢሎም ክሳብ ዘይተሰማምዑ ዘብቅዕ ጉዳይ ኣይኮነን።”

ጆን ሁዳክ ብምቕጻል ናይ ፕረ. ትራምፕ ስትራተጂ ዓብይ ፖለቲካዊ ኪሳራ ኣለዎ ይብል ።

“ፕረዚዳንት ትራምፕ ምስ መሰረቶም እዮም ዝፃወቱ ዘለው።ዘይ ምዕዳል ኮይኑ ግን መሰረቶም ካብ ኣጠቓላሊ ህዝቢ እቲ ዝወሓደ እዩ።ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ መንድቕ ምስኦም ኣይኮነን ዘሎ።”

መንግስቲ ብኽፋል ካብ ዝዕፆ ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ’ሎ፤ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ፌደራል በዚ ፖለቲካዊ ግጥም ተሃሲዮምን ይህሰዩን ኣለው፤ብፍላይ ድማ ገዳይም ወታደራት።ብመሰረት ኣብ ቀረባ ዝወፀ ናይ መንግስቲ ጸብጻብ ሲሶ ስቪል ሰራሕተኛታት ፌደራል መንግስቲ ኣብ ወታሃደርነት ዘገልገሉ ገዳይም እዮም።

እዚ ምዕፃው መንግስቲ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝነውሐ ጊዜ ፈደራል ስራሕ ዘቛረጸሉ እዩ።

ፕረ. ትራምፕ ዳግማይ ንምምራፅ ዝወዳደርሉ ጊዜ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ እዋን መንድቕ ንምስራሕ ዝኣተውዎ ቃል ክዛዘም እውን ናብ መወዳእታ ገፁ ዝተጸጎዐ ይመስል።

XS
SM
MD
LG