ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ብህቦብላ ንዝተጠቕዓት ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ በጺሖም


ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ረቡዕ ብበሊሕ ነቓፊኦም ሮን ዲሳንተስ ናብ ዘመሓድሩ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብምኻድ ብሓያል ህቦቡላ ንዝወረደ ዕንወት ተዓዚቦም።ባይደን ኣብታ ሳንሻይን ስቴት (ክፍለ ግዝኣት ብርሃን ፀሓይ) ብዝብል እትፍለጥ ክፍለ ግዝኣት ሓገዝ ንምዕባይ ቃል ኣትዮም፤እቶም ኣመሓዳሪ ድማ እታ ክፍለ ግዝኣት ምስ ፌደራል መንግስቲ ንዘለዋ ምትሕብባር ኣድኒቖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝወቕዐ ሓያል ነፋስ ዝሓወሰ ከቢድ ዝናብ ደረጃ ኣርባዕተ ህቦብላ\ሀረኬይን\ያን እንተወሓደ ንልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ ብቢሊዮናት ዝግመት ንብረት ኣዕኒዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 87,000 ህዝቢ ዝነብረላ ኣብ ወሰን ባሕሪ ንእትርከብ ከተማ ፎርት ማየርስ ብምብፃሕ ዝወረደ ዕንወት ተዓዚቦም።እታ ንሪፓብሊካዊያን ዝድገፉ ብብዝሒ ዝነብሩላ ከተማ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ህዝቢ ብፍጥነት ይውንጨፋ ካብዘለዋ ከተማታት ሓንቲ እያ።

ባይደን መንግስቲ ፌደራል ንነፍሲ ወከፍ ዝተጎድአ ንምሕጋዝ ድልው ምዃኑ ብምግላፅ ናይ ፌደራል ሓገዝ ን60 መዓልታት ከምዝናዋሕ ሓቢሮም።

እቲ ሓገዝ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ንምድላይንን ንምድሓንን፣ ንመፅለሊ፣መግብን ካልኦት ህይወት ኣድሕን ሓገዛትን ክሽፍን እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን "ሎሚ ሓደ ስራሕ እዩ ዘለና፣ሓደ ስራሕ ጥራሕ።ንሱ ድማ ህዝቢ ፍሎሪዳ ዘድልዮም ሓገዝ ምርካቦም ምርግጋፅን ካብቲ ዝወረዶም ጉድኣት ብምሉእ ክጣየሱ ዘድልዮም ምቕራብን እዩ።ንፀገማት ንገጥም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሒደት ሃገራት ሓደ ኢና፤ካብ ዝኣተናዮ ፀገማት በሊጽና እንወፅእ እንኮ ሃገር ድማ ኢና"ኢሎም።

ሓደ ካብ ኣዚዮም ነቐፍቲ ባይደን ሪፓብሊካዊ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ሮን ዲሳንተስ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝተግብረ ምትሕብባር ግን ንኢዶምዎም።

"ኣብዚ ግብረ መልሲ ትሪኢዎ ካብ ዘለኹም ነገራት ሓደ ንቢሮክራሲ ማሕለኻታት ምቑራፅ እዩ።ካብ ከባቢያዊ ምምሕዳር፣መንግስቲ ክፍለ ግዝኣትን ክሳብ እቶም ፕረዚደንት ከምኡ ኢና ንገብር ዘለና።ንጉጅላዊ ፃዕሪ ኣዚና ኢና ነመስግን።"

ኣብ ዴሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ሓደጋ ክወርድ ከሎ መራሕቲ እቲ መንግስቲ ንህዝቢ ከመይ ከምዘገልግል ከምዘለዎም ዘርእይሉ ኣጋጣሚ እዩ።

"ሰይንት ልውስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝኾነ ኣንድሪው ሪኢቭ መረፅቲ ሓደ ፕረዚደንት ወይ ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ብዝህቦ ግብረመልሲ ክመዝኑዎ ልሙድ ምዃኑን ኣብዛ ብብዝሒ ህዝባ ዝዓበየትን ሃብታምን ክፍለ ግዝኣት ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ዲሳንተስ ክፍተኑ እዮም" ይብል።

"ኣድመፅቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ሓደ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ምርጫ ጠመተ ኣይገብርሉን።ዲሳንተስ ግን ንዳግም ምርጫ እዮም ዝወዳደሩ ዘለው።ትፈልጡ ኢኹም ኣዚዮም ዝገርሙ ፖለቲከኛ እዮም።እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከመይ ከምዝወፅኡ ዝርኣይ እዩ ክኸውን።"

ኣብዚ ሕጂ እዋን ነበርቲ ፍሎሪዳ ኣዚዩ ዘገድሶም ናይ ማእኸላይ ዘመን ምርጫ ኣይኮነን።ባይደን እውን እቲ ስምዒት ከምዝርድኡን ብምግላፅ ሎሚ ምሸት ኣበይ ከምዝድቅሱ፣ደቆም ከመይ እዮም ክኾኑ ዝብል ስምዒት ናይቶም ነበርቲ ከምዝፈልጡ ተዛሪቦም።

ትማሊ ረቡዕ ብፖለቲካዊ ኣረኣእይኦም ዝፈላለዩ ክልተ መራሕቲ ሓደ ዝበሉዎ እንተሃሊዩ ‘ድሓን ክኸውን እዩ’ ዝብል ነይሩ።

XS
SM
MD
LG