ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሶማሌ ክልል ነበር ጉዳዮም ዝረአየሉ ቤት ፍርዲ ነጻን ገለልተኛን ኣይኮነን ብምባል ንጠበቓታቶም ኣፋንዮም


ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ዝነበሩ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ጉዳዮም ዝረኣየሉ ዘሎ ቤት ፍርዲ ነፃን ገለልተኛን ኣይኮነን ብምባል ንጠበቓታቶም ብምስንባት ከምዘይከራኸሩ ሎሚ ዓርቢ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ንኣቶ ኣብዲን ካልኣይቲ ተኸሳሲት ዘምዘም ሓሰን ዓቃቢ ሕጊ ኣመሓይሹ ንዘቕረቦ ክሲ ተቓውሞ ከቕርቡ ሓቲቱዎም ዘምዘም ሓሰን ተቓውሞ ከምዘይብለን ገሊፀን።

ጠበቓታት ኣቶ ኣብዲ ግን ዓቃቢ ሕጊ 213 መሰኻኽር ከምዘቕረበን ይኹን እምበር መንነት ናይቶም መሰኻኽር ከምዘይፈልጡን ምግላፅ ምስጀመሩ እቲ ቤት ፍርዲ እዚ ምስክር ክስማዕ ከሎ ክቐርብ ከምዝነበሮ ኣረዲኡ።ኣቶ ኣብዲ ኢዶም ብምውፃእ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ዝነበሮም ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ናቶም ይኹን ናይ ጠበቓታቶም ናይ ምዝራብ መሰል ከምዝተኸልከለ፣ ፍትሓዊ ፍርዲ ክረክብ እየ ኢሎም ከምዘይኣምኑ፣ጉዳዮም ነፃን ገለልተኛን ኮይኑ ክሪአለይ እዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ፍርዲ ብወገኑ ዕድል ይህቦም ከምዘሎ ብምሕባር ነፃን ገለልተኛን ኮይኑ ፍርዱ ከምዝህብ ገሊፁ’ሎ።

ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ብወገኖም ናይ ክሲ ተቓውሞ ከምዘይቕርቡን ከምዘይሟገቱን ጠበቓታቶም እውን ከምዘሰናበቱን እንተገለፁ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ግን ጥርዓኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ንከቕርቡ ንጠበቓታቶም ትእዛዝ ብምሃብ ን13 ነሓሰ 2011 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ ።

XS
SM
MD
LG