አዲስ አበባ —
ፓርቲ ፍትሓዊ ዲሞክራሲ ህዝብታት ዓፋር ምስ ፓርቲ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ሓድነት መድረኽ ጥምረት ፈጢረ ክብል ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ።
እቲ ፓርቲ ነቲ ስምምዕ ሎሚ ከምዝፈረመ እውን ተገሊፁ’ሎ።
ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና መድረኽ ሸሞንተ ውድባት አባል ጌሩ ዝተመስረት ምንባሩ ብምግላጽ ነቲ ፓርቲ ሓዲጎም ዝወጹ ውድባት ስለዘለው ክሳብ ሎሚ ኣርባዕተ ፓርቲታት ሒዙ ክንቀሳቀስ ከምዝጸንሓ ገሊጾም።