ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወከልቲ ሕ/ኣፍሪቃ ምዝርራቦም ኤምባሲ ኣመሪካ ገሊጹ


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ዕድላትን ፃዕርታትን ሰላም ንምስጓም ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ምዝርራቦም ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣምባሳደር ሃመርን ፈፃሚት ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትረሲ ጃኮብሰንን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ብምዃን ኣብ ከተማ መቐለ ፈላማይ ዑደት ብምፍፃም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርርብ ክጅመርን ኩሎም ካብ ፀርፍን መደረ ፅልእን ክዕቀቡን ምትብባዖም ይገልፅ።ንፃዕርታት ሰብኣዊ ረድኤትን ዝተርኣየ ምምሕያሽ ምዕዛቦምን ምቕራብ ነዳዲ ኣብ ዓፋር፣ኣምሓራን ትግራይን ሓገዝ ክበፅሕ ዘኽእል ምዃኑ ምሕባሮም ይገልፅ።

ኣመሪካ ንጥዕና፣ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝውዕል ኣብ 2021 ኣስታት 1.3 ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ንኢትዮጵያ ሂባ እያ።ኣብ ቀረባ ድማ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል ተወሳኺ 488 ሚሊዮን ዶላር ረድኤት ወፍዩ ኣሎ።

እቲ መግለፂ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ንኽልተ ሰሙን ዘካየድዎ ፅምዶ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስጓም ዝገብሮም ፃዕርታት ምድጋፋ ዘንፀባርቕን እዩ ይብል ።

XS
SM
MD
LG