ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥርጡር መጥቓዕቲ ካሊፎንያ ምሟቱ ተሓቢሩ


ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ መብዛሕትኦም ኣባላት ማሕበረሰብ ኤስያ ኣብ ዝነብርሉ ማንትረይ ፓርክ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ ብዉሑዱ 10 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 10 ኸኣ ቆሲሎም።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ’ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ 72-ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ንፅባሒቱ ሞይቱ ተረኺቡ ‘ሎ። ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍፃም መለዓዓሊ ምኽንያት ግን ኣይተፈልጠን።

እቲ ተኹሲ ዝተፈፀመ ብቀዳም 21 ጥሪ 2023 ብኣቆፃፅራ’ቲ ከባቢ ቁሩብ ድሕሪ ሰዓት 10:00 ምሸት ኣብ ድሮ በዓል ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ሉናር ኾይኑ ኣብ ከተማ ማንትረይ ፓርክ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ሳዕሲዒት’ዩ። መብዛሕትኦም ነበርቲ’ታ ኸተማ ኤስያውያን ምዃኖም ተገሊፁ’ሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ንኽብሪ’ቶም ግዳያት ኣብ ዋይት ሃውስን ካልኦት ፌደራል ህንፃታትን ክሳብ ሓሙስ ባንዴራ ትሕት ኢሉ ክንብልበል ኣዚዞም’ለዉ። ምኽትል ፕረዚደንት ካሜላ ሃሪስ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ቅትለት ጠጠው ክብል ኣለዎ ድሕሪ ምባል ፕረዚደንት ባይደን ኣነን ምምሕዳርናን ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንምፍላጥ ንሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢ ሙሉእ ደገፍ ክንገብር ኢና ኢለን።

ኩሎም’ቶም ግዳያት ልዕሊ 50-ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኑ በዓል ስልጣን ፖሊስ’ቲ ከባቢ ገሊፆም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG