ዋሽንግተን —
ጠቅላሊ ዓቓቢ ሕጊ እስራኤል ኣቫንቺ ማንደልቢት ቀ/ሚ ቤንጃሚን ነታንያሁ መራሒ መንግስቲ’ታ ሃገር ኮይኖም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጦም።
ቀ/ሚ ቤንጃሚን ነታንያሁ ዋላ’ኳ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ካብ ተቓወምቲ ጸቕጢ እንተተገብረሎም ካብ መዝነቶም ከምዘይለቑ ሓቢሮም ኣለው።
ብተወሳኺ ቀ/ሚ ነታንያሁ ብኣሽሓት ኣማኢት ዝቑጸር ገንዘብን ህያብን ብምቕባል ዝሓለፈ ሰሙን ክሲ ብልሽውና ከምዝቐረበሎም ይዝከር።
እዚ ሕጋዊ ጸበባ ነታንያሁ ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ ሕጂ እዋን እስራኤላዊያን መረጽቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንሳልሳይ ጊዜ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዝዳለውሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
ቀ/ሚ ነታንያሁ ኮነ መወዳድርቶም ቤኒ ጋንታዝ ሓባራዊ ዝኾነ መንግስቲ ክምስርቱ ብዘይምኽሎም ዝሓለፈ ክልተ ምርጫ’ታ ሃገር ምስራዙ ይፍለጥ።
ጋንተዝ ምስ ቀ/ሚ ነታንያሁ ሓባራዊ መንግስቲ ከምዘይምስርቱ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ምጽንሖም