እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት፡ ነቶም ብ24ታሕሳስ፡ ጉዳዮም ከይተሰምዐ ናብ ኤርትራ ዝተሰጐጕ፡ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቡዎ 24 ዜጋታት ምኽንያት’ዩ ነቲ መግለጺ ኣውጺኡ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ(ኤኤፍፒ) ንሓላፊ እቲ ትካል ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ “ናብ ኤርትራ ምምላሶም ንማእሰርቲን ካልእ ከበድቲ መቕጻዕቲን ዘቓልዕ’ዩ” ክብል ገሊጹዎ። ወሲኹ ከኣ እቲ መግለጺ ግብጺ ንኸምኡ ዓይነት ምስጓግ ደው ከተብሎ ጸዊዑ።
ብመሰረት ጸብጻብ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራዊያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኣተሓሕዛን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ይሳቐዩ ኣለዉን ጸኒሖምን። ከም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 21ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ብዝሒ ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ንምፍላጥ ግን ኣይተኻእለን።
ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ መራሒ እታ ሃገር ዓብደል-ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ዜጋታት ካልእ ሃገር ከም ስደተኛታት ዘይኰኑስ ኣካል’ቲ ሕብረተሰብ ከም ዝርእዩዎም ሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ ግብጺ ብተደጋጋሚ ንኤርትራያን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ጉዳዮም ከየጻረይትን ብግቡእ ከይመርመርትን ናብ ኤርትራ ከተባርር ብምጽናሓ ኣደዳ ከቢድ ነቕፌታ ክትከውን ጸኒሓ።
ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ብዘይ ግቡእ ፍርዲ ንሸሞንተን ዓሰርተ ዓመታት ተኣሲሮም ንኤርትራ ክስጉጎግ ዝቀራረቡ ዝነበሩ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተባህሉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ማእሰርቲ ተላቒቖም ንካናዳ ተጣይሶም ምህላዎም ይዝከር።