ዋሽንግተን —
ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ ምጅማሩ ጸብጻባት ሚድያ ይሕብሩ`ለዉ። መንግስቲ ዛጊት ነቲ ምምላእ ማይ ዝብል ወረ ኣይነጸጎን ወይ ኣየረጋገጾን። ሚንስተር ማይን መስኖን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ግን፥ ዋሕዚ ክረምታዊ ማይ ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ደረጃ ግድብ ንላዕሊ ይዓቁር ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኔሩ። ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከካይድኦ ዝቐነያ ልዝብ ኣብ ጉዳይ ኣመላልኣ ማይ ብዘይስምምዕ ተፈላልየን። እንተኾነ ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምገል ዘሎ ልዝብ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ተክኒካዊ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ- ።