ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ክልል ኣምሓራ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ -ኣብ ጉዳይ ኮሚሽን ምሕደራ ወሰንን መንነትን


ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣብ መንጎ ክልላት ዝፍጠር ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሕ እናተገብኦ ብክልል ኣምሓራ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝቐረበ ሕቶ መንነት የለን ኢልካ ምድምዳም ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘየድሊ ምስሕሓብ ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንታዊ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕጊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ መርሃፅድቅ መኮነን ሓቢሮም።

ኣቶ መርሃፅድቅ ወሲኾም ዝተጣየሸ ኮሚሽን ወሰንን ምምሕዳርን ሕቶ መንነትን ገለልተኛ ኮይኑ ዘፅንዖ ስልጣን ንዘለዎ ኣካልን ቀዳማይ ሚንስትርን ከቕርብ እዩ ኢሎም ።ናይቲ ውሳነ ሓሳብ ስልጣን ዘለዎ ኣካል እንተድኣ ዘየፈፂሙዎ ጣልቃ ብምእታው ፌደራል መንግስቲ ክፍታሕ እዩ ኢሎም።

ሕገ መንግስቲ ኢፌዴሪ ኣብ ዓንቀፅ 62 ንኡስ ቁፅሪ 1 ከምዝጠቐሶ ወሰን ክልላት ብዝምልከት ሕቶ እንተድኣ ተላዒሉ እቲ ጉዳይ ብስምምዕነት ዝምልከቶም ክልላት ይፍፀም ይብል።

በዚ መሰረት ነቲ ሕግን ስርዓት ተኸቲልና ሕቶና ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቀፂሉ ድማ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣቕሪብና ኢና ይብሉ ኣቦ ወንበር መምለሲ ኮሚቴ መንነት ወልቃይት ኮሎኔል ደመቀ ዘውዴ።

“ዓንቀፅ ጠቒስና፣ሕጊ ኣደጊፍና ፔትሽን ኣማሊእና፣2007ን 2008ን ዓ.ም ጀሚርና ሓቲትና ኢና።”

ነቲ ጉዳይ ይከታተሉዎ ከምዝፀንሑ ዝገለፁ ተንታኒ ፖለቲካ ኣቶ ቹቹ ኣለባቸው ነቲ ሕቶ ዘሕይል መረዳእታ ኣብ ኢዶም ከምዝርከብ ኣብ ቀረባ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም ነይሮም።

“ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘካይዶ መፅናዕቲ ስለዝነበረኒ ምስ ወልቃይት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብሰነድ ዝተደገፉ መረዳእታታት ኣብ ኢደይ ኣለው።ንኣብነት ህዝቢ ወልቃይት ሕትኡ ብሕጋዊ ኣገባብ ኣየቕረበን ዝብል ኣብ ኢደይ ዝርከብ ሰነድ ከምዝሕብሮ ግን ናይቲ ህዝቢ ወኪላት ዝፈረሙዎ ጥርዓን ኣሎ።ናብ ትግራይ ወሲዶም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣቕሪቦም እዮም።”

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ኣምሓራ ብሄርተኝነት ተኸታታሊ ፅሑፋት ዘቕርብ ኣቶ ጌታቸው መኮነንእቲ ኮሚቴ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዘቕረቦ ጥርዓን ኣብቲ እዋን ኣፈጉባኤ ንዝነበሩ ኣቶ ያለው ኣባተ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝፀሓፉዎ ኣብ ኢደይ ኣሎ ይብል ።

ንሶም እዚ ኮይኑ እናሃለወ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ብክልል ኣምሓራ ሕቶ መንነት ብሕጋዊ ኣገባብ ኣይቀረበን ክብላ ኣብ ቀረባ ምግላፀን ኣቖጢዑና’ሎ ይብሉ።ወ/ሮ ኬሪያ ከምዚ ኢለን ነይረን።

“ካብ ሶማሊያ የለን፤ካብ ዓፋር የለን፤ካብ ትግራይ የለን፤ካብ ክልል ኣምሓራ እውን የለን።”

ኣቶ ጌታቸው ግን ወ/ሮ ኬሪያ እቲ ሓቂ እናፈለጣ ዝቐረበ የለን ምባለን እቲ ጉዳይ ብሕብእብእ ንምሕላፍን ንህዝቢ ኣምሓራ ምንዓቕን እዩ ኢሎም።

ኣቶ መርሃፅድቅ መኮነን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ይመሓደሩ ዘለው ናይ ወልቃይት፣ፀገዴ፣ፀለምቲ፣ሰቲት ሑመራን ከምኡ እውን ቀደም ኣብ ትሕቲ ክፍለ ሃገር ወሎ ዝነበሩ ከባቢታት ራያ ናብ ትግራይ ምእታው ጭቕጭቕ ፈጢሩ እዩ፤ኣብቶም ክልላት ግን ፈጢጡ ዝወፀ ምስሕሓብ ኣይነበረን ኢሎም።

“ኣብ መንጎ እቶም ክልላት ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ናብ ምስሕሓብ ኣትዮም ኣይፈልጡን፤ክሳብ ቀረባ ግዜ።ነገር ግን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ናብ ክልል ኣምሓራ ንጠቓለል ዝብል ብዘይስሩዕ ሕቶ ካብ ዘቕርብ ፀኒሑ’ሎ።ካብ 2008 ጀሚሩ ግን እቲ ሕቶ ንቤት ምኽሪ ትግራይ ቐሪቡ፣ናይ ትግራይ ቤት ምኽሪ ድማ ብእዋኑ ብዘይምምላሱ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ምቕራቡ እኹል መረዳእታ’ሎ።ናይ ኣምሓራ ክልል ዘቕረቦ ከይኮነስ ኣብ ትግራይ ናይ ዝተኸለሉ ህዝብታት ወኪላት ኢና ብዝብሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝቐረበ እዩ።”

ኣቶ መርሃፅድቅ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይ ይልዓሉ ዘለው ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተጣየሸ ናይ ምምሕዳር፣ናይ ወሰንን መንነትን ኮሚሽን ተፀዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚንስትር እውን ብምዃኑ ጣልቃ ምእታው ናይቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ፀገም ይፈትሖ እዩ ይብሉ።

“እዚ ኮሚሽን እዚ ስርሑ ኣብ ቀረባ ክጅምር እዩ ኢልና ትፅቢት ንገብር።ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዘለው ሕቶታት መንነት ኣፅኒዑ፤ምምሕዳራዊ ወሰናት ኣፅኒዑ ብሰብ ሞያ ዝተደገፉ ናይ ውሳነ ሓሳባት ንቀዳማይ ሚንስትር ከቕርብ እዩ።እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ዋና ኣኽባሪ ሕግን ሰላምን ናይታ ሃገር ኣኽባሪን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል እዩ።እዞም ሕቶታት መንነት ምኽንያት ግጭት እናኾኑ ኣብ መንጎ ክልላት ምኽንያት ስእነት ሰላምን ምርግጋእን እናኾኑ እንተድኣ መፂኦም እቲ ጉዳይ ናይ ፌደረሽን ቤት ምኽሪ ጉዳይ ምዃኑ ይተርፍ ማለት እዩ።ናይታ ሃገር ፈፃሚ ኣካል ዓብይ ሓላፍነት ኣለዎ ኣብዚ ጉዳይ።”

ፕረዚዳንታዊ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕጊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ መርሃፅድቅ መኮነን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘስዓበ ሓደ ናይ ክልል ውሳነ ወይም ስጉምቲ እንተድኣ ሃሊዩ ሕጊ ብዝእዝዞ ፌዴራል ጣልቃ ክኣቱን እቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ደው ክሳብ ዝብል ነቲ ክልል ኣጊዱ ተቖፃፂሩ ዘፅንሐሉ ኩነታት ኣሎ እዩ ኢሎም ።ክልላዊ ዝተጣየሽሉ ሕገ መንግስቲ ቅድሚ ምፅዳቑ ብምዃኑ እቲ ሕቶ ንምምላስ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ወሲኾም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG