ዋሽንግተን —
ብመሰረት ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ውድድራት ብሽክለታ(ዩሲኣይ)፡ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝሓዘት ጋንታ ኤርትራ ብ38 ነጥቢ ቀዳመይቲ ወጺኣ`ላ።
ንኤርትራ ስዒባ ብ31 ነጥቢ 2ይቲ ተሰሪዓ ዘላ ጀርመን ክትከውን ከላ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብ28 ነጥቢ 3ይቲ ኮይና`ላ።
ብትሕቲ 23 ዕድመ ደቀንስትዮ፡ ቀዳመይቲ ጣልያን፡ ነይዘርላንድስን ጀርመንን ድማ 2ይን 3ይን ኣለዋ።
ብናይ ዓበይቲ ደቀ-ተባዕትዮ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ዘላ በልጅም`ያ።
ብዓበይቲ ደቀንስትዮ ድማ ነዘርላንድስ ትመርሕ ከምዘላ እቲ ዓለም-ለኸ ማሕበር ውድድራት ብሽክለታ(ዩ ኣብ ዘውጽኦ መዐቀኒ ደረጃታት ኣመልኪቱ`ሎ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዓወታት ብምምዝጋብ ዝፍለጡ ተወዳደርቲ ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሕጂ ድማ ብትሕቲ 23 ዓመት ዕድመ፡ ኣብ ዓለም ቀዳሞት ኮይኖም ምስርዖም ብደገፍትን ብሰበ-ስልጣን መንግስቶም ናእዳ ይውሕዘሎም ኣሎ።