መቐለ —
ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መሰረታዊ መድሃኒታት ርኡይ ምምሕያሽ እኳ እንተ ገበረ፡ ብሕልፊ መድሃኒት ሕማም መንሽሮ ንዝወስዱ ተሓከምቲ ግን ዛጊት ዝመጽአ ለውጢ ከም ዘየለ ሰብ-መዚን ተገልግልቲን ይገልጹ። ኰይኑ ግን እዚ ሓድሽ ምጅማር ምእታው መድሃኒት፡ ንሕጽቦ ኰላሊት ንዝገብሩ ተሓከምቲ ተስፋ ሂቡ ኣሎ።