ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብዳብ ነፈርቲ ከተማ መቐለ ሽዱሽተ ሰለማውያን ሰባት ምቕታሉን 21 ምቑሳሉን ምንጭታት ሆስፒታል መቐለ ሓቢሮም


ሎሚ ሓሙስ ረፋድ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ክፍለ-ከተማ ሰሜን፡ ጣብያ ኢንዳስትሪ ኣብ ዝተባህለ መንበሪ ኣባይቲ፡ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ዛጊት ሰለስተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሽዱሽተ ሰለማውያን ዜጋታት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ድማ 21 ከም ዝቖሰሉን ንሓለፍቲ ሕክምና መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ብምውካስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሩ።

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ዒላማ እቲ ደብዳብ ንወተሃደራዊ መተዓራረዪን መስርሒን ኲናት ዝውዕል ስፍራ ምዃኑ ኣመልኪቱ`ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ወሃብ-ቃል እቲ መጥቃዕቲ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ እዋን ንመስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ዝዓለመ’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ፡ ንወሃብ-ቃል ትግራይ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ድማ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ’ዩ ውዒሉን ጎዲኡን ይብል።

ብኻልእ ወገን ሚኒስትር ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣማስይኡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ትካል መስፍን ኢንጂነሪንግ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ኣረጋጊጹ`ሎ።

ብዛዕባ ኣብ ሰባት ወሪዱ ዝተባህለ ጉድኣት ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝገለጸ፡ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት የቐንዖ ከምዘሎን፡ በንጻሩ ሓይልታት ትግራይ ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ንሚድያን ንምድንጋር፡ ናብ ቅድሚት ይደፍኡ ከምዘለዉ ዝገልጽ ናይ ሓሶት መረዳእታ ይምግብኦም ኣለዉ ክብል ነቒፉ።

ብኻልእ ወገን፡ ናይ መቐለ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ’ውን ኣብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ከይዶም ብዓይኒ ከም ዝተዓዘቡዎን፡ በቲ ደብዳብ መንበሪ ኣባይቲ ፈሪሱ ህሩማትን ሬሳታትን ንምውጻእ ከቢድ ስራሕ ከም ዝነበረ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG