ሃዋሳ —
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ ተፈጥሮ የጋጥም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሓደጋ ን10`ታት ኣሸሓት ዜጋታት ንሕሰም ናብራ ከምዘቃልዐ`ውን ይግለጽ።
ኣብ ክልል ደቡብ፥ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ፥ ልዕሊ 28 ሺሕ ህዝቢ ብውሕጅን ብሓደጋ ምህማም መሬትን ፡ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ- ውሑዳት ዘይብሃሉ`ውን ህይወቶም ምስኣኖም ሓቢሩ'ሎ።
ነቶም ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕሪ ድማ ብለበዳ ሕማም ኮሮና ፈታኒ ይኸውን ከምዘሎ- ኮሚሽነር ጋንታ ጋሩማ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ: በንጻሩ ግን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ፍታሕ ንምምጻእ ይስርሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።