ዩክሬን: ኣብ ዝተኸበበት ከተማ ማሪፖል ዝርከቡ ሓይልታት ኢዶም ክህቡ ሩሲያ ንዘቕረበቶ መጠንቀቕታ ነፂጋቶ:እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ተወሳኺ ደብዳብ ፈጺሞም ኣለው።
ምኽትል ቀዳመይቲ ሚንስትር ዩክሬን ኢሪና ቨረሹክ ንናይ ሩሲያ ሕቶ ብምንፃግ ሩሲያ ሰባት ካብታ ከተማ ንክወፁ ብሰብኣዊነት መሕለፊ ክትህቦም ሓቲተን።
ንሰን ንናይ ዩክሬን ማዕኸን ዜና ፕራቫዳ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል "ብዛዕባ ምሃብ ኢድ ዝብሃል፣ ዕጥቒ ምውራድ ዝብሃል የለን።ንሩሲያዊያን ኣፍሊጥናዮም ኢና" ኢለን ።
ሩሲያ ትማሊ ለይቲ ኣብ ዋና ከተማ ኪየቭ ንዝርከብ ማእኸል ዕዳጋ ብምድብዳብ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ምቕታሎም ከንቲባ እታ ከተማ ቪታሊ ክለሽኮ ሓቢሮም ኣለው።ንሶም ብተወሳኺ ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ረቡዕ ዝጸንሕ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጆም ኣለው።
ሚንስትር ምክልኻል ብሪጣንያ ሎሚ ሰኑይ ብኣንፈት ሰሜን ኪየቭ ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ሩሲያ ናብ ዋና ከተማ እትግብሮ ገስጋስ ከምዝተዓገተን ገሊፁ ኣሎ።ሓይልታት ሩሲያ ካብ ማእኸል እታ ዋና ከተማ 25 ኪሎ ሚትር ርሒቖም ይርከቡ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ሲኤኤን ዘካየድዎ ትማሊ ሰንበት ዝተመሓላለፈ ቃለ መሕትት ምስ ሩሲያ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕ ክግበር ዝተገብረ ፈተነ ምፍሻሉ ማለት 'ሳልሳይ ውግእ ዓለም' ማለት እዩ ኢሎም።
መራሕቲ ኣመሪካ፣ፈረንሳ፣ጀርመን፣ኢጣልያን ብሪጣንያን ዋይት ሃውስ "ንዘይምኽኑይ መጥቓዕቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተዋደደ ግብረ መልሲ ንምሃብ" ኢሉ ዝፀውዖ ኣኼባ ሎሚ ሰኑይ ክዘራረቡ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
እቲ ኣኼባ ኣብ ኩነታት ዩክሬን ዝጠመተ ናይ ኔቶ ዋዕላ፣ናይ ብቁጠባ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ኣኼባን ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳን ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ መዓልታት እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ኦስቲን ትማሊ ሰንበት ፌስ ዘ ኔሽን(Face the Nation) ንዝተብሃለ ናይ CBS ቴሌቪዥን መደብ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ ሓይልታት ዩክሬን ካብ ኣመሪካን ናይ ኔቶ መሻርኽትን ብዝተውሃቦም ኣፅዋራት ተጠቒሞም ኣብ መላእ እታ ሃገር ንሓይልታት ሩስያ ምድኻሞም ስለዝቐፀሉ ሓይልታት ሩሲያ ውፅኢታዊ ኣይኮኑን ኢሎም።
ዩክሬናዊያን እቲ ወራር ካብ ዝጅመር ንልዕሊ 3000 ወታሃደራት ምቕታሎም ሰበስልጣን ኣመሪካ ይግምቱ።