No media source currently available
ምሁር ሕጊ ኣቶ ኣብርሃም ተስፋይ ካብ ኣትላንታ "ድልዱላት ኣዕኑድ ዕዉት ሓዳር" ትብል ሓዳስ መጽሓፍ ጽሒፉ'ሎ። ቅድሚ ሎሚ'ውን ንሕብረተሰብ ይጠቅም ዝበሎ መጻሕፍትን ጽሑፋትን ብምብርካት ዝፍለጥ ኣቶ ኣብራሃም፥ ኣብዛ ዳሕረወይቲ መጽሓፉ፡ ኣብ ስደት ብዛዕባ ዘጋጥም ብድሆታት ሓዳርን መፍትሕታቱን ኣሚቱ'ሎ።