ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያን ብዝቐፀለ ውግእ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ መረበቶም ይሃድሙ ከምዘለውን ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሱዳን ተዓቒቦም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ገሊፁ።
ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል መግቢ፣ፅሩይ ዝስተ ማይ፣መፀለሊን ሕፅረት ፅርየትን ከምዘሎ፤ብሕፅረት ኣመጋግባን ሕማማትን ዝሳቐዩ ሰባት ብዝሖም እናወሰኸ ይኸይድ ምህላውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ዝናብ ገለ ስደተኛታት ናብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ንምግዓዝ ሓደገኛ ጉዕዞ የካይዱ ምህላዎምን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ገሊጹ'ሎ።
ካብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ብተወሳኺ ብኣሽሓትዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ቴሌኮምኒኬሽን ብዘይምህላው ኣባላት ስድርኦም ክረኽቡ ስለዘይክኣሉ ብዙሓት ብጭንቀት ኣእምሮ ይሳቐዩ ምህላዎምን ተገሊጹ'ሎ።
ኣብ ትግራይ እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ንኣስታት 22,200 ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ካልኦት ኣባላት ስድራን ዕዉት ናይ ስልኪ ርከብ ፈጢሩሎም ኣሎ።ግን ልዕሊ 20,000 ዘይዕዉት ናይ ስልኪ ርክብ ፈተነ ገይሩ ኣሎ።