ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት/IOM/ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ሰንበት ብዕጡቓት ዝተጨውየት ወለኝተኛ ጓል ኣንስተይትን ኣርባዕተ ዓመት ህፃንን ብዘይ ውዓል ሕደርን ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነትን ክትልቀቕ ደጊሙ ፀዊዑ።
እቲ መጭወይቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ማእኸላይ ኢኳተሪያ ኣብ መንጎ ክልተ ዕጡቓት ጉጅለታት ቶኽሲ ኣብ ዝተኸፈትሉ እዋን እዩ ተፈፂሙ።ኣብቲ ቶኽሲ ክልተ ደቂ ተባዕቲዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሰራሕተኛታት ረድኤት IOM ተቐቲሎም ኣለው።