ኣብ መፃረዪ ውድድር ሃገራት ኣፍሪቃ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ 1ብ 0 ተሳዒራ፡፡ ትማሊ 11 መስከረም 2019 ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዓለምለኸ ስታዲየም ክልል ትግራይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ንቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ሻንፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ(ቻን) ኣካይደን:: ስታዲየም ክልል ትግራይ ፈላማይ ዝኾነ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዘተኣናገደሉ እዚ ፀወታ ጋንታ ሩዋንዳ 1 ብ 0 ተዓዋቲት ኮይና ፡፡
ሩዋንዳ ተዓዊታ ክትወፅእ ኣብ መበል 60 ደቒቓ ብሕታዊት ሸቶ ዘቑፀረ ኤርነስት ሴጉራ እዩ:: ቅድሚ ዕረፍቲ ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ ከየቑፀሩ እዩ ተዛዚሙ:: ብተደጋጋሚ ዕድል ሸቶ ብምፍጣር ተፃወቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድሕሪ ዕረፍቲ ዝሓሹ ነይሮም፡ክጥቀምሉ ግና ኣይከኣሉን::
ድሕሪ እቲ ፀወታ ርእይቶ ዝሃቡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብርሃም መብራህቱ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየድ ናይ መልሲ ፀወታ ዝሓሸ ተፃዊትና ውፅኢት ሒዝና ንምምላስ ፃዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም:: ኣሰልጣኒ ሩዋንዳ ቪንሰንት ሚሻሚ ብወገኖም ተጻወትና ሓያላት ነይሮም: ፅቡቕ ተኸላኺልና ስዒርና ግና ወፂእና ክብሉ ተዛሪቦም:: ካልኣይ ዙር ፀወታ መፃረዩ ውድድር ቻን ድሕሪ 26 መዓልታት ኣብ ሩዋንዳ ክልቲአን ሃገራት ክጋጠማ እየን::
ውድድር ቻን ኣፍሪካ 2020 ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ሊጋት ውሽጢ ሃገር ዝፃወቱ ተፃወቲ ዝሳተፍሉ ውድድር እዩ::