ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ቻይና ንመጉዓዝያ ሓደገኛ ሕማም መተንፈሲ ንዝተላዕለላ ከተማ ብምዕጻው ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ንኢዱ

ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ቻይና ሓደገኛ ለበዳ ሕማም መተንፈሲ /coronavirus/ ዝተልዓለላ ከተማ ውሃን ዝኣትውን ዝወፅእን ኩሉ ዓይነት መጎዓዚያ ብግዚያዊነት ደው ክብል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ንኢዱዎ።

ዳይረክተር ጀነራል’ቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ትማሊ ረቡዕ ከምዝበሉዎ 11 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ምንቅስቓስ ካብን ናብን ምዕፃዋ ከቢድ ስጉምቲ’ዃ እንተኾነ እቲ ሕማም ከቢድ ምስ ምዃኑ ግን ግቡእ እዩ ኢሎም።

ዶ/ር ቴድሮስ “ከቢድ ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ከይጋፋሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዓለም ክጋፋሕ ዘለዎ ዕድል እውን ዝንኪ እዩ’’ኢሎም ኣለው ።

ዛጊት ልዕሊ 500 ሰባት በቲ ሕማም ምልካፎም ዝተረጋገጸ ክከውን ከለው 17 ሰባት ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለው።እቲ ሕማም ናብ ሃገራት ታይላንድ፣ጃፓን፣ደቡብ ኮሪያ፣ታይዋንን ኣሜሪካን እውን ተራእዩ’ሎ።

This item is part of
XS
SM
MD
LG