ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶኒ ጉተረስ ሃገራት ኣብ ምምካት ቫይረስ ኮሮና ስነ ኣእምሮ ዜጋታት ኣብ ግምት ከእትው ጸዊዖም


ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ንዝመጸ ፍርሂ፣ ብሕታዊነት፣ ቁጠባዊ ማህሰይቲን ስቃይን ዝስዓበ ስነ አእምሮኣዊ ጭንቀት ንምሕካም ኣገልግሎት ጥዕና ንክዝርጋሕ ሕ/ሃ ጸዊዑ።

ብሕ/ሃ ዝተነደፈ ‘ኮቪድ 19ን አድላይነት ክንክን ኣእምሮን’ ዝብል ሰነድ ብዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ዝተገለጸን ኮሮና ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ንዘስዐቦ ጸገም ዘጉለሀን እዩ።

ብመሰረት ዝተካየደ መጽናዕቲ፣ ኣብ ቻይና 60 %፣ ኣብ ኢራንን ኣሜሪካን 45% ጭንቀት ኣብ ሰባት ከምዝተኸሰተ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ንክፍሊ ሕማም ኣእምሮ ትሰርሕ ዲቮራ ከስትል ‘ቅድሚ ሎሚ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ተመሳሳሊ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ተፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ንርእሰ ቅትለት ከምዝተቃልዑ’ ጠቂሳ።

ብመሰረት’ዚ፣ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሰነድ ፖሊሲ ‘አብ ኩሎም ሕክምናዊ ተግባር፣ ክንክን ጥዕና ኣእምሮን ስነ ኣእምሮን ንክሕቆፍ’ ዝጽውዕ እዩ ኢላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG