ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣውስትራልያን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ዝተሓወሶ ምስሕሓብ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ተበጊሱ።
እቲ ወጥሪ ኣውስትራልያ ኣህጉራዊ መርመራ ኣብ ጉዳይ መበገስን ምስፍሕፋሕን ቫይረስ ኮሮና 19 ብምጥላባ ዝተገበሰ ክኸውን እንከሎ: ቻይና ነቲ ብኣውስትራልያ ዝቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ ኣላ። ቻይና ብዘይካዚ: ብኻልኦት ሃገራት ከይተርፈ ብዘርኣየቶ ኣተሓሕዛ ቫይረስ ኮሮና 19 ወቐሳ ክቐርበላ ጸኒሑ'ዩ። ይኹንምበር ቻይና ነቲ ወቐሳ ክትነጽጎ ምጽንሓ ይሕበር።
ኣውስትራልያ ትደፍኣሉ ዘላ ጻውዒት ኣህጉራዊ መርመራን መበገሲ እቲ ሕማም ንምፍላጥን ብኸመይን ንምንታይ ኣህጉራዊ ስግኣት ዝፈጠረ ለበዳ ክኸውን ከምዝበቕዐ ንኽጻረይ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን ዓለም ንሕቶታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና መልሲ ክትረኽበሉ ይግብኣ ከምዘበለ ድማ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ተበግሶ ከምዝድግፎ ዘየጠራጥር ምዃኑ'ኳ እንተተገልጸ: ፈረንሳን እንግሊዝን ግን እዚ እዋን ነዚ ለበዳ ንቃለሱ ግዜ እምበር መን ሓላፍነት ይሰከም ንርእየሉ ግዜ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ከምዘለወን እዩ ተሓቢሩ።