ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሽረ እንዳስላሴ ኣስታት 500 መንእሰያት ኣሲሮም ምውሳዶም ሮይተርስ ሓቢሩ


ሽረ እንዳስላሴ
ሽረ እንዳስላሴ

ወታሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶኑይ ለይቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዕቖቢ ስደተኛታት ንልዕሊ 500 መናእሰይ ደቂ ተባዕቲዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓይሊ ኣሲሮም ከምዝወሰዱዎም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሓደ ሓኪምን ንሮይተርስ ገሊፆም።

ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝጠቐሱ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሓኪምን እቶም ወታሃደራት ለይቲ ስዓት 11 ወይ ምሸት ስዓት ሓሙሽተ ብናይ ኢትዮጵያ ስዓት ኣቆፃፅራ ብናይ ፅዕነት መካይን ወሲዶምዎም ኣለው ።ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት ብዙሓት ሰባት ተቐጥቂጦም፣ስልኮምን ገንዘቦምን ተመንጢሎም እዮም ኢሉ ።

ኣብቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝነብር ሓደ ከምዝበሎ ወታሃደራት ንናይቲ ካምፕ በሪ ሰይሮም ብምእታው ንኩሎም ደቂ ተባዕቲዮ ከቢቦም ብበትሪ ከምዝቐጥቀጡዎም ሓቢሩ።ንሓደ ወዲ 70 ከምዝቐጥቀጡን ንኣይነ ስውር ከምዝጨወዩን እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ።

ናይ ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃልን ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ንመልእኽቲ ሮይተርስ ኣይመለሱን።

ጊዝያዊ ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ቴድሮስ ኣረጋይ ብዙሕ ዝርዝር ሓበሬታ ተዘይሃለዎም እውን ኣማእቲ ሰባት ተታሒዞም ከምዝተወሰዱ ግን ኣረጋጊፆም። ሚኒስትር ሓበሬታ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል "ንናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ’’ ከቢብካ ዘእስር ምኽኒያት የለን እዚ ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

ብመሰረት ፀብፃብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ክልተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ካብ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ 91 ሚእታዊት ተፀባይ ረድኤት ኮይኑ ኣሎ ።

ሎሚ ሰሉስ ንጉሆ ዓሰርተታት ስድራ ናይቶም ተኣሲሮም ዝተወስዱ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ፊት ንፊት ኣብያተ ፅሕፈት ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG