ዋሽንግተን —
ኣብ 2019 ብሓለውቱ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ-ቅትለት ካብታ ሃገር ኣምሊጡ ኣብ በርኪናፋሶ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መራሒ ጊኒ ነበር ሙሳ ዳዲስ ካማራ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ሃገሩ ኣትዩ።
ካማራ ኣብ ታሕሳስ 2018 ብዕልዋ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ጻንሖት መዝነቱ ንኣስታት 150 ሰለማውያን ተቓወምቲ ንኽረሸኑ መምርሒ ዝሃበ ምዃኑ ይንገረሉ፡፡።
ኣብቲ እዋን ዝተላዕለ ተቓውሞ እቲ መራሒ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይሳተፍ‘ዩ ዝቃወም ነይሩ።
ፋያ ሚልሞኖ ዝተባህለ መራሒ ሊበራል ሰልፊ እታ ሃገር ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ካማራ ናብታ ሃገር ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ ኣሎ። እቲ መራሒ ነበር፡ ካብ ብዕልዋ መንግስቲ መዝነት ሒዙ ዘሎ ኮሎነል ማምዳይ ዱምብያ ዕድመ ከም ዝቐረበሉን ሓለዋ ከም ዝተዋህቦን ይንገር።
እቲ መራሒ ወታሃደራዊ መራሒ ነበር፡ ነቲ ኣብ 2019 ዝኣዘዞ ቅትለት ሰላማውያን ዜጋታት ዝግበኦ ፍርዲ ክቕበል ድሉው ምዃኑ ፈልጥቱ ይሕብሩ።