ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮቫክስ ክታበት ቫይረስኮሮና ይውህዶ ምህላው ገሊጹ


ኮቫክስ፡ንምዕሩይ ኣተዓዳድላ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዓለም እምነት ዝተነብረሉ ትካል ብሰንኪ`ቲ ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ ለበዳ፡ ክታበት ክውሕድ ምጅማሩ ይገለጽ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ናይ ህንዲ ሰሩም ኢንስቲቱት- ብሰንኪ ውሽጣዊ ጠለባቱ- ንጠለባት ደገ ከማልእ ብዘይምክኣሉ`ዩ።

ዳይሬክተር ትካል ሕጻናት ሕቡራት ሃገራት ሀንሪየታ ፊዮሪ: ዩኒሴፍ ክታበት ኮቫክስ ምግዝኡን ምብጽሑን ቀጺሉ`ሎ ፡ ሃገራት ንኮቫክስ ዝኸፍልኦ ገንዘብ ከማልኣ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተረፍ ክታበት እንተለወን ድማ ንዘይብሎም ከከፋፍላ ግድን`ዩ ኢላ። ንሳ ኣስዒባ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ጥራይ- 20 % ካብ ዘለወን ክታበት እንተካፊለን፡ 153 ሚልየን ክታበት ክልገስ ይኽእል`ዩ ኢላ ።

ብኻልእ ወገን ንህንዲ ክጸፍዕ ዝቀራረብ ዘሎ መሸንበባ ማይ፡ ንገለ መውሃቢ ክታበት ቦታታት ክዕጾ ኣገዲዱ`ሎ። ኣሸሓት ሰባት ካብቲ ጸፍሒ ክሃድሙ ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኣብ ቓዛ ድማ ካብ ደብዳብ እስራኤል ዝሃድሙ ሰባት ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ተፀቓቒጦም ስለዘለዉ ንለበዳ ኮቪድ ይቃልዑ ምህላዎም ሰበ-ስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጹ`ለዉ፡ ምርመራን ክታበትን ኮቪድ19 ኣብ ቓዛ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ተዓጽዩ ከምዘሎ`ውን ይገልጹ`ለዉ።

ጃፓን:ሽሕ`ኳ መብዛሕቲኦም ጃፓናውያን እቲ ስፖርታዊ ውድድራት ሕጂ`ውን ክስረዝ ዝደልዩ ምዃኖም እንተገለጹ ዝሓለፈ ዓመት ተቛሪጹ ዝነበረ ኦሎምፒክ ክረምቲ ሎሚ ከምዝካየድ ኣፍሊጣ`ላ።

XS
SM
MD
LG