ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚቴ ሰነት፡ ንመግቢ ከም ወተሃደራዊ መሳርሒ ምጥቃም ኮኒኑ


ሰነተር ራይሽ -ፋይል
ሰነተር ራይሽ -ፋይል

ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ኣመሪካ ንመግቢ ከም ወተሃደራዊ መሳርሒ ዝጥቀሙ ሓይልታት ብተሓታታይነት ክትሕዝ ዘተሓሳሳብ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ኣባል`ቲ ኮሚቴ ዝኾነ ሰነተር ራይሽ ኣብ ዘሐለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ: ደቡብ ሱዳን: ሶርያን የመንን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ንምህርቲ ሕርሻታት ኮነ ኢሎም ከም ዘዕንዉን ኣብ ቀረባት ምትዕንቓፋት ከምዝፈጥሩን ተዛሪቡ።

ንሩስያ`ውን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ጥምየት ብምስዓብ ከሲሱዋ`ሎ።

መንግስቲ ኣመሪካን መሻርኽቱን ነቶም ንመግቢ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙን ኣተሓባበርቶምን ብተሓታታይነት ክሕዞም እቲ ኮሚቴ ሰነት ሓቲቱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG