ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው አባላት ህውሓትን ካልኦትን ግቡእ ምዃኑ አረጋጊጹ

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ ሓደ ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ናይ ካልኦት እሱራትን ናይ ቤት-ማእሰርቲ ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ዝግባእ ደረጃ ምዃኑ ኣርጋጊጹ።

መርመራ ገበናት ብዝክኣል ክሳለጥን ክዛዘምን ኣገባብ ሕጊ ብዝፈቐዶ መልክዕ ብዋሕስ ክፍትሑ ዝግብኦም እሱራት ምፍላይ ከምዘድሊ`ውን ኣትሓሳሲቡ`ሎ።

ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለን ካልኦት ኣባላቱን ካብ ዝበጽሕዎም እሱራት፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ: ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ: ኣቶ ኣባይ ወልዱን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ከምዝርከብዎም`ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ንሳቶም ናብ ቤት ማእሰርቲ ፖሊስ መርመራ ገበን ካብ ዝርከቡ ንድሓር ግቡእ ዘይኮነ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኣተሓሕዛ ከምዘየጋጠሞምን ብስነ-ምግባር ይትሓዙ ምህላዎምን ብምግላጽ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተውሉ እዋን ግን ጸርፊ ማህረምትን መፈራርሕን ከምዝተፈጸሞም ነቲ ኮሚሽን ምግላጾም ተጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG