ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ፡ መንገዲ መቐለ-ሳምረ ብተቓውሞ ሰልፈኛታት ንሳልሳይ መዓልቲ ምዕጻው ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ መንገዲ መቐለ-ሳምረ ንተቓውሞ ብዝወፁ ስልፈኛታት ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲ ምዕጻው ተገሊጹ::

ሕቶ ወረዳ ይመለሰልና ዝበሉ ነበርቲ "መንግስቲ መልሲ ኣይሃበናን" ብምባል ነቲ መንገዲ ምምዕጻው ይዛረቡ::

ተመሳሳሊ ሕቶ ዘለዎም ነበርቲ ከተማ ዓዲ ነብሪኢድ እውን ትማሊ ንሰዓታት መንገዲ ሽረእንዳስላሰ- ሸራሮ ዓፅዮም ነይሮም::

ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ መንግስቲ እቲ ክልል ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰምረን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ክልል ትግራይ፡ መንገዲ መቐለ-ሳምረ ብተቓውሞ ሰልፈኛታት ንሳልሳይ መዓልቲ ምዕጻው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00


Recommended

XS
SM
MD
LG