ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ትግራይ መብጽዓ ዝተኣትዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምቕጻሉ ይሕብር


ከተማ መቐለ
ከተማ መቐለ

ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ክልል ትግራይ ክዉን ንምግባር፡ ብኽልተ ወገናት ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት እቲ ዝድለ ውጽኢት ይህብ ከም ዘየሎ ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ። እቲ መግለጺ ከም ዘምልክቶ ኣብ ዝሓለፈ 14 መዓልታት 26 ናይ ጽዕነት መካይን ጥራይ’የን ኣትየን። ንሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ፖለቲካ ክተሓሓዝ ከም ዘይብሉ ዘመልከተ መግለጺ ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ክገብር ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ክልል ትግራይ ብወገኑ ንምስላጥ ሓገዛት ድሉው ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብዛዕባ’ዚ ብወገን ክልል ትግራይ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን። ብሰሉስ ሚኒስተር መራኸቢታትን ወሃቢ ቃል መንግስቲን ዝዀኑ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ብዛዕባኡ ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን ግን መንግስቶም ነቶም ናብ ትግራይ ዝኸዳ መካይን ሓገዝ ደረት ከም ዘይገብርን ነቲ ሓገዝ ድማ እቲ መንግስቲ ብዝኽእሎ ደረጃን ከከም ቀዳምነታቱን ክባጻሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም። እቶም ወሃብ ቃል ህወሓት ከም ቃሉ ኲናት ደው ኣየበልን ኢሎም’ውን ጠቒሶም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG