ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንተበግሶ መስርሕ ሰላም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዒዱ


ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ዘርአዩዎ ዘለዉ ድሉውነትን ተበጊሶን ብምንኣድ መግለፂ ኣውፂኡ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ብሕልፊ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ኩነታት ብምፍታሕ ምሕዝነትን ሕውነትን ኢትዮ-ኤርትራ ንምሕያል ዘርኣዮ ድልየት፣ ባህጊን ፍቕሪን ኣዝዩ ዘሐጉስን ኣብቅድሜና ብሩህ ተስፋ ምህላዉ ዝገልፅን እዩ ይብል፡፡ ብተወሳኺ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕውነታዊ ናእዳን ምስጋናን ክገልፅ ይደሊ ይብል ፡፡

ኩነታት ኢትዮ-ኤርትራ ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ፃዕሪ መንግስትን ህዝቢን ክልል ትግራይ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘሎ እናረጋገፀ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ነቲ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት ሰላም ዝያዳ ንምሕያል ኣብ ዝሓፀረ እዋን ቀጥታዊ ዝኾነ ርክብ ብምጅማር ሕውነቶምን ምሕዝነቶምን ንኸጠናኽሩ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG