ዋሽንግተን —
ዋይት ሃውስ ትካላት መንግስቲ ነቲ ፍሉጥ ፕሮግራም ማሕበራዊ ሚድያ ቲክ-ቶክ ምጥቃም ደው ከብላ 30 መዓልታት ሂብወን ኣሎ። እቲ ውሳነ ዝሓለፈ ታሕሳስ ባይቶ ኣመሪካ ኣጽዲቕዎ ኔሩ`ዩ።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ ቻይናዊ ካምፓኒ ቲክቶክ ዝጥቀሞ ዳታ ኣብ ድሕነት ተጠቀምቲ ሻቕሎት ኣለና፡ ከምኡ ንኣረኣእያ ቻይና ዘፋልጥ`ዩ ብምባል ስኽፍትአን ክገልጻ ጸኒሐን`የን። ቲክቶክ ግን ነቲ ሻቕሎት ብምንጻግ፡ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ`ዩ ኢልዎ`ሎ።
ካናዳ'ውን ቲክቶክ ኣብ መንግስቲዊ ትካላት ዘይምጥቃም ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዳ`ላ።
ሎሚ ሰሉስ መብርሂ ዝሃበ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ኣመሪካ ንስነ-ሓሳብ ሃገራዊ ጸጥታ ልዕሊ ዝግባእ ትመጦ`ላ፡ ንካምፓንታት ካልኦት ሃገራት ንምዕፋን ድማ መንግስታዊ ሓይሊ ትጥቀም ኣላ ክብል ከሲሱ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ዘለዉ ሪፓብሊካን፡ ፕረዚደንት ባይደን ብደረጃ ሃገር ቲክቶክ ክእግድ ስልጣን ዝህቦ ዓንቀጽ ሕጊ ከሕልፉ ይዳለዉ`ለዉ።